ደብረ ሰላም ቅዱስ ሚካኤል
St. Michael Eritrean Orthodox Tewahdo Church
Washington DC

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ 

ኣሜን። 

      ክቡራንን ክቡራትን ኣንበብቲ ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መንፈሳዊ ሰላምታ ብምቕዳም፡ ልዑል እግዚኣብሔር ኣብ ክርስቲያናዊ ሕይወትኩም ዕብየት፡ ኣብ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም ትግሃት፡ ኣብ መነባብሮኹም ሰላም ቅሳነት፡ ኣብ ኵሉ ንጥፈታትኩም ... መንፈሳዊ ዓወት ክህበኩም ዕለታዊ ጸሎት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እዩ።

     ዕላማ ቅድስት ቤተ ቤተ ክርስቲያን ንምእመናን ምስ እግዚኣብሔር ምርኻብን መንፈሳዊ ኣገልግሎት ምሃብን... እዩ።

  ስለ ዝኾነ ኻኣ ደብረ ሰላም ቅዱስ ሚካኤል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዋሽንግቶን ዲሲን ከባቢኣን ንኣመንቲ ምስ እግዚኣብሔር ንምርኻብ እዚ ዝስዕብ መንፈሳዊ መደባት ቀሪባ ትርከብ፡-

  1. ኩሉ ጊዜ ተራ ሰንበት ካብ ሰዓት 400 - 700 ናይ ንጉሆ ስብሓታትን ሥርዓተ ማኅሌትን (ሰንበታዊ ያሬዳዊ መዝሙረ ማኅሌት)
  2. ካብ 700 - 930 ጸሎተ ቅዳሴ
  3. ካብ 930 -1015 ናይ ዕለቱ መንፈሳዊ ትምርቲ  ብትግርኛ ...
  4. ካብ 1015-1100 መንፈሳዊ ትምህርቲ ብኢንግሊሽን መዝሙር ህጻናትን ይካየድ።
  5. ዓበይቲ ዓመታዊ በዓላትን ወርሓዊ በዓላትን ካኣ ከከም ኣድላይነቶም ኣብ እዋኑ ብዝወሃብ ሓበሬታ መሰረት መንፈሳዊ ኣገልግሎት ይፍጸም።

   ስለዚ ኩሉ ክርስቶሳዊ ክርስቲያናዊ ግዴታኡ ክፍጽምን በረኸት እግዚኣብሔር ክቕበልን ስለ ዝግባእ ፡‘‘ናብ ቤት እግዚኣብሔር ንኺድ ምስ በሉኒ ተሓጐስኩ’’ ዝበሎ መዝ122:1: ቅዱስ ቃል እግዚኣብሔር መሰረት ብምግባር በታ ሰብን እግዚኣብሔር ክራኸበላ ዝተመደበት ቅድስት ዕለተ ሰንበት ኵሉ ኣማኒ ናብ ቤት እግዚኣብሔር ክግስግስ ብትሕትና ነዘኻኽር።

ስብሓት ለእግዚኣብሔር ልዑል

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

በኵሉ ጊዜ ወበኵሉ ሰዓት

ለዓለመ ዓለም ኣሜን።