ደብረ ሰላም ቅዱስ ሚካኤል
St. Michael Eritrean Orthodox Tewahdo Church Washington DC

  

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ

      ኣሜን። 

      ክቡራንን ክቡራትን ኣንበብቲ ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መንፈሳዊ ሰላምታ ብምቕዳም፡ ልዑል እግዚኣብሔር ኣብ ክርስቲያናዊ ሕይወትኩም ዕብየት፡ ኣብ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም ትግሃት፡ ኣብ መነባብሮኹም ሰላም ቅሳነት፡ ኣብ ኵሉ ንጥፈታትኩም ... መንፈሳዊ ዓወት ክህበኩም ዕለታዊ ጸሎት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እዩ።

     ዕላማ ቅድስት ቤተ ቤተ ክርስቲያን ንምእመናን ምስ እግዚኣብሔር ምርኻብን መንፈሳዊ ኣገልግሎት ምሃብን... እዩ።

  ስለ ዝኾነ ኻኣ ደብረ ሰላም ቅዱስ ሚካኤል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዋሽንግቶን ዲሲን ከባቢኣን ንኣመንቲ ምስ እግዚኣብሔር ንምርኻብ እዚ ዝስዕብ መንፈሳዊ መደባት ቀሪባ ትርከብ፡-

  1. ኩሉ ጊዜ ተራ ሰንበት ካብ ሰዓት 4፡00 - 7፡00 ናይ ንጉሆ ስብሓታትን ሥርዓተ ማኅሌትን (ሰንበታዊ ያሬዳዊ መዝሙረ ማኅሌት)
  1. ካብ 7፡00 - 9፡30 ጸሎተ ቅዳሴ
  2. ካብ 9፡30 -10፡15 ናይ ዕለቱ መንፈሳዊ ትምርቲ  ብትግርኛ ...
  1. ካብ 10፡15-11፡00 መንፈሳዊ ትምህርቲ ብኢንግሊሽን መዝሙር ህጻናትን ይካየድ።
  2. ዓበይቲ ዓመታዊ በዓላትን ወርሓዊ በዓላትን ካኣ ከከም ኣድላይነቶም ኣብ እዋኑ ብዝወሃብ ሓበሬታ መሰረት መንፈሳዊ ኣገልግሎት ይፍጸም።

   ስለ’ዚ ኩሉ ክርስቶሳዊ ክርስቲያናዊ ግዴታኡ ክፍጽምን በረኸት እግዚኣብሔር ክቕበልን ስለ ዝግባእ ፡‘‘ናብ ቤት እግዚኣብሔር ንኺድ ምስ በሉኒ ተሓጐስኩ’’ ዝበሎ መዝ: 122:1: ቅዱስ ቃል እግዚኣብሔር መሰረት ብምግባር በታ ሰብን እግዚኣብሔር ክራኸበላ ዝተመደበት ቅድስት ዕለተ ሰንበት ኵሉ ኣማኒ ናብ ቤት እግዚኣብሔር ክግስግስ ብትሕትና ነዘኻኽር።

ስብሓት ለእግዚኣብሔር ልዑል

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

በኵሉ ጊዜ ወበኵሉ ሰዓት

ለዓለመ ዓለም ኣሜን።

 

ንፈሳዊ መልእኽቲ *
 
ካብ ደብረ ሰላም ቅዱስ ሚካኤል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዋሽንግቶን ዲስን ከባቢአን  
ክቡራንን ክቡራትን ምእመናን ክርስቶሳውያን ብመጀመርታ
ሰላመ እግዚአብሔር ምስ ኩልኹም ንክህሉ ዕለታዊ ጸሎት ቅድስት ቤተ ክርስቲያንኩም ምዃኑ ብአኽብሮት ንገልጽ ።
ብምቕጻል እዚ አብ ዙርያ ዓለም ኣብ ልዕሊ ኩሉ ወዲ አዳም ወሪዱ ዘሎ ሕማም መግለጺ ዘድልዮ ጉዳይ አይኮነን ይኹን እምበር ካብ ጥንቲ ጀሚሩ
አብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዘመን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከምዚ ዓይነት ተርእዮ አብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ክኽሰት እንከሎ እቲ አማራጺ ዘይብሉ ናይ እምነት መሳርሒ ድማ ጾምን ጸሎትን ምህልላን ጥራይ ምዃኑ ከነስተውዕል ይግብአና 
እዚ እንተ ጌርና ድማ እግዚአብሔር አምላኽና መሓሪ ስለ ዝኾነ ጣዕሳናን ልመናናን ርእዩ ክምሕረና እዩ ።
 
ቅዱስ ቃሉ " ... እተን ናይ መከራ መዓልታት ምእንቲ ሕሩያት ክሓጽራ እየን ... " ብማለት እዩ ናይ ምሕረቱ ተስፋ ዘበስረና ፡ማቴ፡ 24፡22።
ስለ'ዚ ነዚ እሙን መለኮታዊ ቅዱስ ቃል መሰረት ጌርና አብ ዘዘለና አብ ጸሎትን ምህልላን ክንጽመድ እግዚአብሔር ስልጣኑ ተረዲእና ናብኡ ገጽና ክንጥምት ሎሚ ይጽበየና አሎ።
ብለውሃቱ ባዕሉ ይደግፈና ጾምናን ጸሎትናን ብሰላም ኣፈጺሙ ብርሃነ ትንሣኤኡ ንምርአይ የብቅዓና አሜን!።
 
 
To Review Our YouTube streaming, Click Here.
 
Video


Location
St Michael Eritrean Orthodox Tewahdo Church
4006 53rd Street; Bladensburg, MD 20710
Detailed Map

Photos
image


image


Footer Menus

Place your footer menus under "Design" -> "Panels", then Lower 1, 2, 3, and 4.

Saint Michael Eritrean Orthodox Tewahdo Church